Keep and Share logo     Log In  |  Mobile View  |  Help  
 
Visiting
 
Select a Color
   
 
ሰንደቕ ዓላማ


                   ሰንደቕ ዕላማ ( ባንዴራ)

        ኣብዚ ምሳሌ እዚ ክፍትሓልና ዘለዎ፡ ሰንደቕ ዓላማ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ዘይኮነስ፡ ንምንታይ ኢዩ ዝውክል ክንፍትሾ ይግብኣና፡፡ን መወከሲ ክኾነና እምበኣር፡ኣብ ዘጽኣት 17፡15 ከምዚ ይብል፡፡ ሙሴ ኸኣ መሰውኢ ሰርሔ፡ ስሙ ድማ፡ እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ ኢሉ ጸውዖ። ኣብዚ ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓሳብ እንተ ኣሎ፡ መሰውኢ ምስርሑን ምስማዩን ዘይኮነስ እቲ " ኢዩ" ኢሉ ብእምነት ኣርቲዕዎ ዘሎ ሽመት ኢዩ።ምኽንያቱ ሙሴ ንእግረ መንገዱ ምልክቱ ሰንደቕ ዕላማኡ ልዕል ኢሉ ዝርኣየሉ ኣብ በረኽቲ ዝትከለሉ ባንዴራኡ እግዚእብሄር ኢዩ፡ ኢሉ'ዩ ዝሽይም ዘሎ፡፡ንርእሱ ድማ ኣብ ትሕቲ ናይ ልኡላውነቱ ዘረጋገጸ ብቑዕ መንግስቲ የግዝእ ኣሎ።እምበእር ሰንደቕ ዓላማና ብ ብዙሕ ሕብርታት ዘጌጸት ባንዴራ ዘይኮነትስ ፡እግዚኣብሄር ባዕሉ ኢዩ ማለት ኢዩ።ስለዚ ኢዩ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኩሉ ልዕል ዝበለ እኽራን ክትከል ዘለዎ።""ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉ፡ ዓውኢልኩም ኣድህዩሎም፡ ብደገ መሳፍንቲ ኺኣትው ኸኣ ብኢድ ኣመልክቱ። Isaiah:13:2፡፡ እቲ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉ ማለት፡ ናይቲ ሰንደቕ ዕላማ ቀዳማይ ትርጉም፡ ንእግዚኣብሄር ናይ ሂወትካ መሪሕነት ጌርካ ከተቑሞ እንከለኻ ኢዩ፡፡ከም ኣብነት ነቲ እግዚእብሄር ዝበሎ ቃል ከም መሪሕነት ናይ ሂወቱ ተኪልዎን ልዕል ኣቢልዎን ዝነበረ ሙሴ እንተድኣ ርኢና፡ ሙሴ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣብ ዘህልወሉ ግዜ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቢ እስራኤል ልዕልና ሒዙ ክምለኽ ክፍራህ ክኸብር ክውደስን ንርኢ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቢ እስራኤል ክረድኦ፡ ክድግፎ ፡ክምሕሮ፡ ከሳግሮ፡ ሰላም ክህቦ ፡ከናግፎ ፡ክሕልዎ ኢና ንዕዘብ።እዚ ድማ እቲ ሰንደቕ ዕላማ ህዝቢ እስራኤል ክኸውን ዝግብኦ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ልዕልና ሒዙ ኣብ ሙሴን ኣብቲ ህዝብን ዝግብኦ ቦታ ክሕዝ እንከሎ ጥራይ ዝርከብ ረብሓ ኢዩ። ሙሴ ምስ ዘይህሉ ግን ነቲ ሰንደቕ ዓላማኦም ካብቲ ዝግብኦ ቦታ ኣውሪዶም ን ካልኦት ጣኦታት ልዕል ብምባል ይትክእዎ ሞ ከም ውጽኢቱ ከኣ ፡ድኻምን ሞትን ዕግርግርን ህውከት ክከውን ኢና ንዕዘብ፡፡እቲ ካልኣይ ትርጉሙ ኸኣ እቲ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ወይ ፍቃድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ መታን ክስልጥን፡ኣብ ኩሉ ልዕል ዝበለ ሓሳባት ልዕል ክብል እንከሎ ማለት ኢዩ።ስለዚ ሰንደቕ ዕላማ ከምቲ ጎይታ ኣብ ሉቃ 11፡33 ዝብሎ፡" ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን"ከም ዝብል ስፍራ ናይ ሰንደቕ ዓላማ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታን ኩሉ ኣብ ዝሪኦ ቦታን ኢዩ።ኩሉ ክሪኦ ኣብ ዝኽእል ቦታ ኢዩ ክስቐል ዘለዎ።እምበኣር ትርጉም ሰንደቕ ዓላምን ክቕመጦ ዘለዎ ስፍራን ተረዲኡና ኣሎ ። ኢሳይያስ 5 (Isaiah)
26፤ ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለው ኣህዛብ ድማ ሰንደቕ ዕላማ ኼልዕለሎም፡ ካብ ጽንፊ ምድሪ ኸኣ ብፋጻ ኺጽውዖም እዩ፡ እንሆውን ብፍጥነት ቀልጢፎም ኪመጹ እዮም/ Isaiah:11:10 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣህዛብ ነቲ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እተተኽለ ጠጥዒሱር እሰይ ኪደልዩ እዮም፡ ማሕደሪኡ ኸኣ ክቡር ኪኸውን እዩ።/Isaiah:11:12 ነህዛብ ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ኺተኽለሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተሰጉ ድማ ኪእክቦም፡ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺኣኻኽቦም እዩ።/ Isaiah:13:2 ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉ፡ ዓውኢልኩም ኣድህዩሎም፡ ብደገ መሳፍንቲ ኺኣትው ኸኣ ብኢድ ኣመልክቱ።
ካብዘን ጥቕስታት ሰንደቕ ዕላማ ንመን ከም ዝውክልን ክሕዞ ዘለዎ ቦታን ክንምሃር ንኽእል።


Creation date: Sep 22, 2020 11:02pm     Last modified date: Sep 25, 2020 5:16am   Last visit date: Apr 17, 2024 9:27am
    Report Objectionable Content