Keep and Share logo     Log In  |  Mobile View  |  Help  
 
Visiting
 
Select a Color
   
 
መለኸት


መለኸት


መለኸት፡ ሓደ ካብ ኣፍ ብዝወጽእ ንፋስ ምስ ተነፍሐ ዝተፈላለየ ዓይነት ድሃይ ዘውጽእ መሳርሒ ኢዩ፡፡መለኸት እንብልታ ኣይኮነን፡እንብልታ መሳርሒ ሙዚቃ ኢዩ።መለኸት ግን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣዋጅ ምስ ተደልየ በቲ ክኢላ ኣዋጂ ይንፋሕ እሞ በቲ ካብኡ ዝወጽእ ፍሉጥ ድምጺ ድማ እቲ ሰራዊት ይኹን ህዝቢ ሓበሬታ ይረክብ፡፡ክተት፡ተሰለፍ፡ተኣከብ፡ተዳሎ፡ተበገስ፡ተጠንቀቕ ወዘተ.,.,,።1ይ ቆሮ 14፥7"እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን
እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧" ይብል።ስለዚ መለኸት ን ዝኾነ ካብቲ ኣዛዚ(ንጉስ) ዝመጸ ትእዛዝ መምርሒ፡ ህዝቡን ሰራዊቱን ንክትግብርዎ ዘድሂ ድምጺ ኢዩ ።ሕጂ ውን ኣብዚ ክበርሃልና ዘለዎ ነገር ኣሎ።ማለት ምሳሌ ናይዚ ኣብ ኢሰያስ 18፥3 ዓለም ክትሰምዖ ዘለዋ ድምጺ እንታይ ኮን ይኸውን ኢልና ክንሓስብ ኣለና። ስለዚ መጀመርታ ትዝ ክብለና ዘለዎ፡ዮውሃንስ መጥመቕ ኢዩ።ንሱ ከምቲ ብዛዕብኡ ዝተባህለሉ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምጺ ኢዩ። ንሱ ኸኣ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡በሎም። John:1:23 እምበኣር እዚ ድምጺ ኣዋጅ ዝበሃል ዘሎ እቲ ካብ የውሃንስ ዝወጽእ ዝነበረ ካብ ኣምላኽ ዝተላእከሎም ነቶም ህዝቢ ዝመልስን ዘቕንዕን ብ ትንቢት ዝተብህለሎም ቃል ኣምላኽ ኢዩ።ንሕና ውን ብተራና ከም ዮውሃንስ ከምቲ ኣብ ትንቢተ ኢሳያስ ዝተጻሕፈሉ እቲ ሕዝቢ ክሰምዖ ዘለዎ ድምጺ ዘስምዖም ዝነበረ ሕጂ ውን ከምኡ ንሕና ከምቲ ዝተጻሕፈልና ንዓለም እነስምዖ ድምጺ ክህልወና ብግዲ ኢዩ። ክንዝንግዖ ዘይብልና ብርግጽ እኮ ዓለም ድሃይና ክትሰምዕ ትጽበየና ዘላ መለኸት እንተ ኮንና እቲ መለኸት ዘይፍሉጥ ደሃይ መታን ከየስምዕ ኣብ ውሽጥና ክንሰርሕ ይግብኣና።እዚ ክኣ በቲ እነርእዮ ጻዕርን ትግሃትን ሕብረትን ኢዩ ዝስራሕ።


Creation date: Sep 22, 2020 10:40pm     Last modified date: Sep 22, 2020 10:40pm   Last visit date: Apr 17, 2024 9:27am
    Report Objectionable Content