Keep and Share logo     Log In  |  Mobile View  |  Help  
 
Visiting
 
Select a Color
   
 
ኢሰያስ 18

 ኢሰያስ 18 ፡3

ኣብ ጥቕሲ 3 ዘሎ ናይ ኣምላኽ ራኢ መደብ ምኽሪ ኣጀንዳ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ኹሉ ህዝቢ ኣምላኽ ክፈትሖ ዘለዎ ብ ምሳሌ ዝተነግረና ቃል ኢዩ። ኢሳይያስ 18 (Isaiah)
3፤ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፡ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘሎኹም ኲላትኩምውን፡ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኣኽራን ልዕል ምስ በለ፡ ተመልከቱ፡ መለኸት ምስ ዚንፋሕ፡ ጽን በሉ።! ኢሉ ዓለም ብምልእታ ፡ኣብ ምድሪ ሰፊሩ ዘሎ ኩሉን ክምልከቶን ጽን ክብሎን ዘለዎ ምንፋሕ ናይ መለኸትን ልዕልና ሰንደቕ ዓላማን ከም ዘሎ ብድብዱቡ ይነግረና።እዚ ትርኢት እዚ ብርግጽ ካብ ዝኮነ ቦታ ክርአን ክድሃይን እሞ ኩላ ዓለም ከኣ ክትርኢን ክትሰምዕን ናይ ጎይታ ኣጀንዳ ኢዩ፡፡እዚ መለኸትን ሰንደቕ ዓላማን(ባንዴራ) ዝበሃሉ ነገራት ብመሰረቶም ኣብ ማእከል መንግስቲ ዘለዎም ህዝቢን ሰራዊትን ጥራይ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል፡፡ሰንደቕ ናይቲ ሓፋሽ ህዝቢ መለልዪ ክኸውን ከሎ መለኸት ግን ናይቲ ኣዛዚ(ንጉስ) ትእዛዝ ተጸቢኻ ምልክት ንምሃብ እትንፋሕ ነጋሪት ኢያ፡፡ ስለዚ እታ ኣብ ዓለም ኣብ ምድሪ ዘላ ሓንቲ መንግስቲ ክትሰምዖ ሞ ንሓደ ዕላማ እትስለፈሉ ድምጺ መለኸት ትጽበ ከም ዘላ መጽሓፍ ቅዱስ ኢሰያስ 18፥3 ይነግረና። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ንሓድሕዳ እተፈላለየት መንግስቲ፡ መንግስቲ ኣይኮነትን። ስለዚ ዓለም ድምጺ መለኸት ክትሰምዕን ልዕልና ናይቲ ሰንደቕ ዕላማ ክትምልከትን በቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዘወጸ ቅዱስ ቃል ጻውዒት ቀሪቡላ ኣሎ። እዚ ከምቲ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጸ ናይ ኣምላኽ ሓሳብን ኣጀንዳን ስለ ዝኾነ፡እቲ ኣብ ምድሪ ሰፊሩ ዘሎ ህዝቡ፡ክዉንነት ናይዚ ትንቢት ክርኢ፡ ብዝርድኦን ብዘይርድኦን ነዚ ምግላጽ ናይዚ ሰራዊት ምስናይ ሰንደቕዕላማ ክጽበን ሃረር ክብልን ናይግድን ኢዩ።ምኽንያቱ ካብ ሰማይ ዝተባህለሉ ንዕኡ ኢሉ ዝወጸ ቃል ስለ ዝኮነ። ነዚ ራኢን መደብን ናይ እግዚኣብሄር ክዉን ዝገብር ሰራዊት እምበኣር ቃል ኣምላኽ ሒዙ ክትንስእ ኣለዎ ማለት ኢዩ፡፡ሰራዊትን ህዝብን ሓደ እኳ እንተኾኑ ክፍሎም ይፈላለ ኢዩ ።ማለት ኣብ ሓንቲ መንግስቲ ፡ሰራዊት ኣካል ናይቲ ህዝቢ ኮይኑ ፡ነቲ ህዝቢ ካብ ኩሉ ዓይነት ናይ ጸላኢ ጥቅዓት ክከላከለሉ ኢሉ ዝተሰለፈ ጉጅለ ናይ መንግስቲ ክኸውን ከሎ፡ ህዝቢ ከኣ ነቲ ስሊኡ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ሰራዊቱ ኣብ ጎኑ ደው ብምባል ን ዕቤትን ለውጥን ብ ሓደ ልቢ እናሰርሐ ነቲ ገጢምዎም ዘሎ ጸገም ንምምካት ብ ወገኑ ይቃለስ ማለት ኢዩ፡፡ስለዚ ኩሉ እቲ ሓፋሽ መንግስትን ህዝብን ሰራዊትን ብሓደ ሓሳብን ብሓደ ልብን ብ ስርዓት ይኸላኸሉን የጥቅዑን።ከምዚ እንተኾይኑ ጥራይ ኢዩ መንግስቲ ዓቢ ትርጉም ዝህልዎን ከፍርህን ዕላማኡን ውጥናቱን ኣብታ ሃገር ክገብርን ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ድማ ዓወት ክጎናጸፍ ዝኽእልን፡፡ከምዚ እንተኾይኑ ጥርራይ ኢዩ ነታ ሰንደቑ (ባንዴራኡ) ካብ ርሑቕ ከም እትርአ ክገብራን፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ውን ልኡላውነቱ ብናይ ገዛእ ርእሱ ዓቕሚ ከረጋግጽ ዝኽእልን።


Creation date: Sep 23, 2020 1:08am     Last modified date: Sep 23, 2020 1:20am   Last visit date: Apr 17, 2024 7:53am
    Report Objectionable Content