Keep and Share logo     Log In  |  Mobile View  |  Help  
 
Visiting
 
Select a Color
   
 
ኣኽራን


ኣኽራን

ኣክራን ከ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክተልና ? ኣኽራን ማለት ቃል ብቓሉ ክንትርጉሞ እንተ ድእ ኮይንና፡ጎቦታት፡እምባታት፡በረኽቲ ፡ልዕል ዝበለ ካብርሑቕ ክርአ ዝኽእል ቦታ ማለት ኢዩ፡፡ምሳሌ ናይዚ ድማ ዓበይቲ፡ መራሕቲ ፡ሃብታማት፡ሰበስልጣናትን ፡እቶም ሕጂ ንዓለምና ተቖጻጺሮማ ዘለዉ ከም እኒ መራኸቢ ብዙሃን፡ትምህርቲ፡ፖሎቲካ፡ሕግን ፡ንግዲ (ገንዘብ) ዝኣመሰሉ ውን ከም ኣኽራን ክንምስሎም ንኽእል።በዚ ኮይኑ በቲ ልዕል ዝበለ ኩሉን ነዛ ዕለም ኣገደስቲ ኮይኖም ዘለዉ ኩሎም ኣኽራን ይብሃሉ።እሞ እምላኽ ኣብዚ ኩሉ ልዕል ዝበለ እኽራን ድዩ ክኸብር ዝደሊ ዘሎ?
ነዚ ጥቕሲ ብምስትውዓል ነንብቦ።
ኢሳይያስ 2 (Isaiah)
2፤ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ዂድዂዶታት ድማ ልዕል ኪብል፡ ኲሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።""ይብል ፡ስለዚ እታ ናይ ገዛእ ርእሱ ማሕደሪት ብደሙ ዝዓደጋ ማሕበር(ከረን) ኣብ ርእሲ ኩሉ ኣኽራን ክትቕውም እንበር ብ ካልእ ከረን እግዚኣብሄር ኣይከብርን ባህ ውን ኣይብሎን።
ሃጌ 1 (Haggai)
8፤ ናብ ኣኽራን ደይቡ፣ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፣ ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእእ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።""ስለዚ ኣምላኽ ን ማሕበሩ በዚ ኩሉ ኣብኩሉ ዕውድታት እንዳኣተወት ብኹሉ ጸብለል ኢላ ክትርአ ይደልያ።እዛ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ኣኽራን ልዕል ከይበለት ኣብ ምድሪ ፍጹም ዝኾነ መሪሕነት ጥዑይ ዝኾነ ፖሎቲካ፡ፍትሒ፡ሰላምን ብምልኣት ኽከውን ኣይክእልን ኢዩ።እቲ ንምድሪ ፈውሲ ዝከውን ሕጊ ኻብኣ ክሳዕ ዝወጽእ፡ ብምኽንያት መሪሕነት ኣብ ዓለም ስግኣት ክህሉ ግድን ኢዩ።ስለዚ ናብቲ ዝተባህለላ ብሓይሊ ንድፋእ።


Creation date: Sep 22, 2020 11:24pm     Last modified date: Sep 22, 2020 11:24pm   Last visit date: Mar 27, 2024 4:08am
    Report Objectionable Content